ምውናን ብረት ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ

  • ዜና ቪኦኤ

Your browser doesn’t support HTML5

ምውናን ብረት ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ

ኣብ ኣመሪካ ብውልቂ ብረት ምውናን ዝብል ኣምር ንኣመሪካውያን መረጽቲ ክከፋፍል ዝጸንሓ ጉዳይ'ዩ። ብመሰረት ፒው ዝተባህለ ትካል መጽናዕቲ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ብረት ብውልቂ ዝውነን ብዝምልከት ዘሎ ተጻራሪ ኣረኣእያ ንመረጽቲ ዳርጋ ብፍርቂ ዝኸፈለ'ዩ። ሕጹያት ፕረዚደንታዊ ተወዳደርቲ ጆ ባደንን ዶናልድ ትራምፕን'ዉን እንተኾኑ ኣብዚ ጉዳይ ቁጽጽር ብረት ተጻራሪ ኣረኣእያ'ዩ ዘለዎም--ከም ጸብጻብ ስካት ስተርንስ።