ኮንጎ -- ዜጋታት ኣመሪካ ዝተሳተፉዎ ዕልዋ መንግስቲ ከም ዘፍሽለት ትገልጽ

እቶም ኣጥቃዕቲ ንመንበሪ ኣባይቲን ኣብያተ-ጽሕፈትን ሓያሎ ሰበ-ስልጣን'ዮም ዓሊሞም

ሓለዋ ጸጥታ ደሞክራሲያዊት ርፓብሊክ ኮንጎ፡ ብሰንበት ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ምፍሻሎም ኣፍሊጦም። ከም ሓበሬታ ምንጭታት እታ ሃገር ኣስታት 50 ዝኣኽሉ ዕጡቓት’ዮም መሸፈኒ ገጽ ብምግባር ንመንበሪ ኣባይቲ ፕረዚደንት ፈሊክስ ቲሽከዲ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር፡ ሚኒስተር ምክልኻልን ካልኦት ላዕለዎት ሰብ-መዚ እታ ሃገርን ኣጥቂዖም።

መንግስቲ ደሞክራሲያዊት ርፓብሊክ ኮንጎ ኣብቲ ኣብ ቀዳመ-ሰንበት “መርመም ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ” ኢሉ ዝገለጾ ተግባር፡ ንሰለስተ ዜጋታት ኣመሪካ ካብቶም ተሳተፍቲ ምዃኖም ከሲሱ።

ክርስቲያን ማላንጋ ዝተባህለ፡ ኣብታ ሃገር ጽቡቕ ስም ከም ዘይብሉ ዝጥቀስ ተቓዋሚ ኣካል’ዩ ንዜጋ ኣመሪካ ዝዀነ ወዲ 21 ዓመት ውላዱ ኣብቲ ፈተነ ዕልዋ ንኽሳተፍ ድፍኢት ገይሩ።

ኣብቲ ሰንበት ዝፈሸለ ዕልዋ፡ መራሕቲ’ቲ ተበግሶ ዝዀነ ክሪስትያን ማላንጋ፡ ብሓለዋ እቲ ቤተ-መንግስቲ ቅድሚ ምቕታሉ፡ ካብ ውሽጢ’ቲ ህንጻ ብፈይስቡክ ኣቢሉ ቀጥታዊ ፈነወ ጀሚሩ ነይሩ።

ኣብቲ ስርሒት ሰለስተ ዜጋታት ኣመሪካ ዝዀኑ ተወላዶ ርፓብሊክ ኮንጎ ተታሒዞም ኣለዉ። ካብ መንጎኦም ወዱ ንመራሒ እቲ ፈተነ ዕልዋ ዝዀነ ወዲ 21 ዓመት ማርሰል ማላንጋ ይርከቦም። ኣዲኡ ኣብቲ ተግባር ኢድ ከም ዘይብሉ እትገልጾ ማርሰል፡ ኣመሪካዊ ዜጋ ምዃኑ’ዩ።

ወሃብ-ቃል ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ብዛዕባ ተራ ዜጋታት ኣመሪካ ኣብ ፈተነ ዕልዋ ተሓቲቱ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ’ውን፡ ኣመሪካ ብደረጃ ፖሊሲ ከምኡ ዓይነት ንሓደ ሕጋዊ መንግስቲ ብሓይሊ ምዕላው ከም እትቃወም ገሊጹ። ወሲኹ፡ በቲ ዝተፈጸመ ተግባር ዝተሰምዖ ሓዘን ብምግላጽ፡ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብቲ ጉዳይ ንመንግስቲ ደሞክራሲያዊት ርፓብሊክ ኮንጎ ዘለዎ ድጋፍ ብምሕባር፡ ኣብ መርመራ’ውን ምሉእ ምትሕብባር ክገብሩ ብወገኑ እቲ ሚኒስትሪ ዘለዎ ድሉነት ኣብሪሁ።

እቲ ፈተነ ዕልዋ ሰንበት ምፍሻሉ እኳ እንተ ተገልጸ፡ ክሳብ ትማሊ ሰኑይ ግን ብገለ መልክዑ ቀጺሉስ ንሓደ ኣፈጉባኤ ንምዃን ዝቀራረብ ዘሎ ኣባል ባይቶ እታ ሃገር’ውን ንመንበሪ ገዛኡ ኣጥቂዖም ክልተ ካብ ሓለውቲ ቀቲሎም። ነቲ መጥቃዕቲ ዘውረደ ዕጡቕ’ውን ምቕታሉ ሮይተርስ ጸብጺቡ ኣሎ።