ጻንሖት ምስ ኣቶ መኮነን ምስግና -- ኣብ ጉዳይ ናጽነት ፕረስ ኤርትራ

Your browser doesn’t support HTML5

ምሩቕ ስነ-ጋዜጠኝነትን ኣብ ፈለማ ናጽነት ኤርትራ ንጋዜጠኛታት ናይ ሽዕኡ ክፍሊ ዜናን ባህሊን ስልጠና ዝሃበን ኣብ ኤርትራ መደበር ረድዮ ናይ ምኽፋት ሕልሚ ዝነበሮን መኮነን ምስግና፡ ምኽንያት ዓለማዊ መዓልቲ ናጻ ፕረስ ብምግባር ጋሻና ጌርናዮ ኣሎና። ፍልልይን ተመሳልነትን ጨቆንቲ ስርዓታት ንፕረስ፣ ዕፈና ናጻ መድረኻት ኣብ ኤርትራውያን ፈጢሩዎ ብዛዕባ ክህሉ ዝኽእል ተደማማሪ ሳዕቤን፣ ተራን ድሩትነትን ካብ ደገ ዝፍነዋ ናጻ መራኸቢታት ወዘተ. ኣልዒልና ኣዋጊዕና ኣሎና።