ኤርትራ፡ ወፍሪ ክታበት -- ስሩዕ መደብ ንምሕላው

Your browser doesn’t support HTML5

ትማሊ ረቡዕ 24 ሚያዝያ ጀሚሩ ክሳብ 28 ሚያዝያ ዝቕጽል ክታበት ኣንጻር ንፍዮ፡ ሩቤላን ምዕዳል ቫይታሚን- ኤን ኣብ ምሉእ ኤርትራ ይካየድ ኣሎ። በዚ ተበጊሱ ዘሎ ወፍሪ ኣስታት 520-ሽሕ ህጻናት ክብጽሑ ትጽቢት ከም ዝገበር ሃገራዊ ምክትታል ክታበት ሚኒስትሪ ጥዕና ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሩ።