ጸገም ፍርያምነት? ማእከል ሕክምና ኣዶ መፍትሒ የቕርብ

Your browser doesn’t support HTML5

ጸገም ውላድ ንዘጋጠሞም መጻምድቲ፡ እንቋቝሖ ጓል ኣንስተይቲ ምስ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ብምውህሃድ ከም ዝጸጊ ዝገብር ሕክምና (ኢንቪትሮ ፈርቲላይዜሽን) ኣብ መቐለ ኣብ ቀረባ እዋን ተኸፊቱ ኣሎ። እዚ ማእከል ጥዕና ኣገልግሎት ጀሚሩስ ድሮ ካብቶም ተኻዪዶም ዘለዉ 50 መስርሓት እቶም ፍርቆም ዕዉታት ምዃኖም መስራቲ እቲ ሕክምና ዶክተር ሳምሶም ሙሉጌታ ንወኪልና ሓቢሩዎ ኣሎ። እዚ መጠን ማዕረ’ቲ ኣብ ካልኦት ኣብዚ መዳይ ቀዲመን ዘለዋ ሃገራት ምዃኑ’ዩ እቲ ክኢላ ዝሕብር።