ኣብ ዞባ ምዕራብ ኣርሲ ከተማ ዶዶላ፡ ቅድሚ ትማሊ ሰኑይ ምሸት፡ ዕጡቓት ፈጺሞሞ ብዝተባሃለ መጥቃዕቲ 11 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ኣማሓዳሪ’ታ ከተማ ገሊጾም።
ናይታ ከተማ ሓላፊ ቢሮ ኮምኒኬሽን ኣቶ ኣማን ዳቤ ንድምጺ ኣመሪካ ከምዝገለጾ፡ እቲ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ለይቲ ከም ዝተፈጸመን ኣብ ርእሲ’ቶም 11 ምዉታት ካልኦት ቍሱላት ከም ዘለዉን ኣመልኪቱ።
መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ኣባልት ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ክዀኑ ከም ዝኽእሉ እቲ ሓላፊ የመልክት። ካብቲ ዕጡቕ ሰራዊት ግብረ-መልሲ ንምስማዕ ዝተገብረ ጻዕሪ ኣይሰለጠን።
ነቲ ቅትለት ተመርኲሱ መግለጺ ዘውጽእ “እናት” ዝተባህለ ፖለቲካዊ ፓርቲ፡ “እቲ ዝዓበየ ጉፍለት ነቲ ድሕነት ዜጋታቱ ከውሕስ ዘይከኣለ፡ ዝበሎ መንግስቲ ይወቅስ።
ሓላፊ ርክባት’ቲ ፓርቲ ኣቶ ዳዊት ብርሃኑ በቲ መጥቃዕቲ፡ ኣገልጋሊ ቤተ ክርስትያን ደብረ ቅዱስ መርጌታ፣ ክልተ ደቆምን በዓልቲ ቤቶምን ሓዊሱ፡ ቅድሚ ክልተ ወርሒ መርዓ ዝፈጸሙ፣ ሓደ ዲያቆን ምስ በዓልቲ ቤቱን ዓባይ ሓፍቱን፣ ከምኡውን ካብ ክልል ደቡብ ንዕለታዊ ስራሕ ዝመጹ 4 ሰባት በቶም ዕጡቃት ከም ዝተቐትሉ ጠቒሶም።
ኣብ ከተማ ዶዶላ ቅድሚ ትማሊ ብዕጡቓት ዝተቐትሉ ግዳያት፡ ስነ ስርዓት ቀብሮም ከም ዝተፈጸመ’ውን ወኪልና ገልሞ ዳዊት ካብ ኣዳማ ገሊጹ።