“ቋንቋ ናይ ህዝቢ ስለ ዝዀነ፡ ንምምዕባሉ ናይ ኵሉ ሓላፍነት’ዩ፡” ፕሮ. ግርማይ ነጋሽ

Your browser doesn’t support HTML5

“ቋንቋ ናይ ህዝቢ ስለ ዝዀነ፡ ንምምዕባሉ ናይ ኵሉ ሓላፍነት’ዩ፡” ፕሮ. ግርማይ ነጋሽ

ብተበግሶ ዝወሰዱ ግዱሳትን ምትሕብባር ዩኒቨርስቲ ሳንታ ክላራ ናይ ካሊፎርኒያን፡ ብቐዳም 9 መጋቢት ኣብ ቋንቋ፡ ስነ-ጽሑፍን ባህሊን ትግርኛን ዘተኰረ ስይምፖዝዩም ተቓኒዑ ነይሩ። እዚ ብኣካልን ብመንገዲ ማንዛን ኣቕረብቲን ተሳተፍቲን ዘእንገደ ርክብ፡ ቋንቋ ትግርኛ ዘለዎ ሃብቲ ብምምልካት፡ ምስ ምዕባለ ቴክኖሎጂን መራኸቢታት ሓበሬታን ንቕድሚት ዝጓዓዘሉ መንገድታት ንምንዳይ’ውን ዝዓለመ ምዃኑ ኣካየድቱ ይገልጹ።

ድሕሪ’ቲ ስይምፕዮዝዩም እምበኣር ንኣተሓባበሪን ናይቲ መዓልቲ ደምዳሚ ቃል ምስ ዝሃበን ፕሮፈሰር ግርማይ ነጋሽ ሓጺር ዝርርብ ኣካዪድና ኣሎና። ንተበግሶታት፡ ንኸምዚ ዝመስል ንኽልተ ህዝቢ ዝሓቍፍ ጉዳይ ሓላፍነት ወሲዱ ዘወሃሃድ፡ ቋንቋ ትግርኛ ምስ ምዕባለ ቴክኖሎጂ ሓበሬታ ዝጽበዮ ድርብ ረብሓን ብድሆታትን ንዝኣመሰሉ ጉዳያት ኣልዒልና ኣሎና።