እዝኒ ዝበኾሮ -- ውሕልነት ናብ ኢድ

Your browser doesn’t support HTML5

ብሰገን ጉጅለ ሰኣልቲ ዝተዳለወ ናይ ኣስታት ክልተ ዓመት ዝኸደ ሞያዊ ስልጠና ንጽሙማን ደቀንስትዮ ብረቡዕ ኣብ ኣስመራ ተዛዚሙ። ኣብዚ 26 ሰልጠንቲ ዝተሳተፋሉ ግብራዊ ትምህርቲ፡ ነቲ ብሰንኪ ሕጽረት ቀረባትን ኣብ ስሩዕ ትምህርቲ ዘሎ ሃጓፋት ኣብ ምምላእ ክሕግዝ ኣወሃሃድቲን ሰልጠንቲን ይዛረቡ። ኣብ ልዕሊ ጽሙማን ዝርአ ጸገም ግን ሕብረተሰባዊ ለውጢ’ውን ዘድልዮ’ዩ።