ብዘለካ ዝከኣለካ

Your browser doesn’t support HTML5

ብሰንኪ ግጭት ሕጽረት ዝናብን ዘጋደዶ ሰብኣዊ ቅልውላው፡ ኣብ ክልል ትግራይ ሓያሎ ወገናት ተጸጊሞምሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ገለ ወገናት ካብ ሓገዝቲ ንዝርከብ ጸጋታት ኣብ ምምቕራሕን ምብጻሕን ይሰርሑ ኣለዉ። ካብ መንጎኦም፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣስታት ኣርባዕተ ወርሒ ልዕሊ 120 ሚልዮን ብር ኣብ በበይኑ ቦታታት ትግራይ ዝርከቡ ጽጉማት ከም ዘባጽሐ ዝገልጽ ትካል ግብረ-ሰናይ ሙሉ’ዩ።