መደበር ኣስመራ ንመሃዝቲ ትእክብ፡ ተራኽብ

Your browser doesn’t support HTML5

ብሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተማሃሮን ኤርትራ (ሃማመተኤ) ዝተዳለወ ውድድር ምህዞን ምምሕያሽን ብ15ን 16ን ለካቲት ኣብ ኣስመራ ቀጽሪ መደበር ተኻዪዱ። እዚ ሎሚ ዓመት ካብ ሰለስተ ዞባታት ዝተዋጽኦ መሃዝቲ ዝተሳተፉዎ ኪንዮ’ቲ ምርኢትን ሽልማትን ነተን ዕዉታት ፕሮጀክታት ባጀት ብምስላዕ ኣብ ጥቕሚ ሕ/ሰብ ንኽወርዱ ባይታ ዝፈጥር ከምዝኾነ ኣካያዲ እቲ ምርኢት ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሩ።