ኬፕ-ቨርደ ካብ ዓሶ ምሉእ ብምሉእ ናጻ ተባሂላ

  • ዜና ቪኦኤ

ኬፕ-ቨርደ ካብ 1 ጥሪ 2021 ኣትሒዛ ዝዀነ መልከፍቲ ዓሶ ከም ዘይተራእያ ተሓቢሩ ኣሎ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ኬፕ-ቨርደ ካብ መልከፍቲ ዓሶ ናጻ ምዃናን ምሉእ ብምሉእ ነቲ ሕማም ከተውግዶ ምኽኣላን ኣመልኪቱ። እዚ ኣካል’ቲ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ምእላይ ሕማማት ዝገብሮ ዘሎ ወፍሪ ምዃኑ ዘመልከተ እቲ ውድብ፡ እታ ኣፍሪቃዊት ሃገር ናብዚ ደረጃ ካብ ዝበጽሓ ሃገራት ዓለም መበል 43 ምዃና ይሕብር።

ኣስታት 90% ሕማም ዓሶ ኣብ ትሕተ-ሳህራ ኣፍሪቃ ምዃኑ ዝገለጸ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ቀንዲ ግዳያቱ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድመኦም ቆልዑ ምዃኖም እቲ መግለጺ ይሕብር።

ኬፕ-ቨርደ ካብ 1 ጥሪ 2021 ኣትሒዛ ዝዀነ መልከፍቲ ዓሶ ከም ዘይተራእያ ተሓቢሩ ኣሎ።

እታ ሃገር ኣብዚ ምድብ ብኣፍሪቃ ደረጃ ሳልሰይቲ ክትከውን እንከላ፡ ኣቐዲመን ማውሪሸስ ኣብ 1973፣ ከምኡ’ውን ኣልጀሪያ ኣብ 2019 ብውድብ ጥዕና ዓለም ናጻ ካብ ዓሶ ዝብል ምስክር ምርካብን ይዝከር።