ወጥሪ ሶማልን ኢትዮጵያን ኣብ ዝዓረገሉ፡ ፕረዚደንት ሶማል ንኤርትራ ይበጽሕ

ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ፕረዚደንት ሓሰን ሸክ ማሕሙድን

ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸክ ማሕሙድ ሎሚ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ፡ ንናይ ክልተ መዓልታት ምብጻሕ ስራሕ ኣስመራ ምእታዉ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ኣብ ማሕበራዊ ገጻት ኤክስ ኣካፊሉ ኣሎ።

Your browser doesn’t support HTML5

ወጥሪ ሶማልን ኢትዮጵያን ኣብ ዝዓረገሉ፡ ፕረዚደንት ሶማል ንኤርትራ ይበጽሕ

ኣብ ኣህጉራዊ ማዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ፡ ፕረዚደንት ኢሳያይስ ኣፈወርቂ ዝርከቦም ላዕለዎት ሰብ-መዚ ከም ዝተቐበሉዎ ዘመልከተ ሓበሬታ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ፡ ወሲኹ፤ “ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ፕረዚደንት ሓሰን ሸክ ማሕሙድን ኣብ ክልተኣዊ፡ ዞባዊን ኣህጉራዊን ጉዳያት ኣተኲሮም ክዝትዩ’ዮም” ይብል ይብል።

ዝርዝር ናይቲ ክዝትየሉ ዝተባህለ ጉዳያት ግን ኣይጠቐሰን።

ዑደት ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ መሓሙድ፡ ድሕሪ ምፍራም ስምምዕ መዘከር ኢትዮጵያን ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድን ኣብ መንጎ ሶማልን ኢትዮጵያን ወጥሪ ኣብ ዝዓርገሉ’ዩ ዝኸውን ዘሎ። “ንኡላውነተይ ዝደፍር ተበግሶ” ብምባል ኣምባሳድራ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝሰሓበት መቓዲሾ፡ ብቐዳም፡ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ መሓሙድ ነቲ መዘከር ውዱቕ ዝግበር ሕጊ ፈሪሙ’ዩ።

“እቲ ዝተፈረመ ሕጊ ንልኡላውነትን ሓድነትን ሶማል ዝሕሉ’ዩ፡” ክብል ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ መሓሙድ ኣብ ማሕበራዊ ገጻት ኤክስ ኣስፊሩ ነይሩ። እቲ ናብ ሕጊ ዝጸደቐ ኣብ ግብሪ እንታይ ለውጢ ከምጽእ ይኽእል ወይ ድማ ነቲ መዘከር ስምምዕ ናይ ምዝራዝ ዓቕሚ እንተለዎ ግን ኣይተነጸረን።

ኣብ ተመሳሳሊ ምዕባለ፡ ሚኒስተር ምክልኻል ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድ ዝዀነ ዓብዲቓኒ መሓሙድ ኣተየ፡ ድሕሪ ምፍራም እቲ መዘከር ስምምዕ ካብ ትማሊ ሰንበት ኣትሒዙ ብፍቓዱ ስልጣኑ ምልቃቑ ኣብ ማሕበራዊ ገጻቱ ኣካፊሉ ኣሎ።

እቲ ሚኒስተር ምክልኻል ነበር፡ ናብቲ ስጕምቲ ዘብጽሖ ውሳነ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ሶማሊላንድ መሬት ክትሕዝ የብላን ብዝብል ምዃኑ ጠቒሱ ኣሎ።

ኣብ ባሕቲ ጥሪ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ኣብ መንጎ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ፕረዚደንት ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድ ሙሰ ቢሒ ዓብዲን ዝተፈረመ ስምምዕ መዘከር፡ ንኢትዮጵያ ን50 ዓመታት፡ ን20 ኪሎ ንሜተር ዝርርጋሕ ኣፍደገ ኣብ ወደብ በርበራ ዝህብ’ዩ። ከም ኣምሳያኡ ድማ እታ ርእሰ-ምምሕዳር ኣብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብርኪ ክህሉዋን ኢትዮጵያ ድማ ነታ ዛጊት ብኻልእ ሃገር ልኡላውነታ ተቐባልነት ዘይረኸበት ርእሰ-ምምሕዳር ከም ሃገር ኣፍልጦ ምሃብ ከም ዝርክቦ መራሕቲ ሶማሊላንድ ይገልጹ። እንተዀነ እዚ ነዊሕ ክርክር ፈጢሩ ዘሎ ኣፍልጦ ናይ ምሃብ ዓንቀጽ፡ ከምቲ መራሕቲ እታ ርእሰ-ምምሕዳር ገይሮም ዘቕረቡዎ ዘይምዃኑ ካብ ላዕለዎት ሰብ-መዚ ኢትዮጵያ ስዒቡ ኣሎ።

እቲ ስምምዕ መዘከር ዛጊት ናብ ህዝቢ ኣይተዘርግሐን።

መቓዲሾ ብዅሉ ወገናት ልኡላውነታ ክትከላኸል ድልውቲ ምህላዋ ኣብ እትገልጸሉ እዋን እምበኣር’ዩ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ መሓሙድ ናብ ኣስመራ ዝጓዓዝ ዘሎ። ኣብ መንጎ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ዝነበረ ዝምድና በብእዋኑ ከንቆልቍል ምጽናሑ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ነቲ ወጥሪ ናብ ዝለዓለ ደረጃኡ ዘዕረጎ ግን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ንምውናን ኣፍደገ ባሕሪ ኣመልኪቱ ድሕሪ ዝሃቦ መግለጺ’ዩ።

ኤርትራ በብእዋኑ ንወታሃደራት ሶማል ኣብ ምስልጣን ክትነጥፍ ምጽናሕ ዝፍልጠ ኰይኑ፡ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ መሓሙድ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝገበሮ ናይ ናይ መወዳእታ ናይ ኤርትራ ዑደቱ’ውን ነቶም ኣብ ኤርትራ ዝስልጥኑ ዘለዉ ኣባላት መካናይዝድን ሓይሊ ባሕሪን ምዕዛቡ ይዝከር።