ዋሽንግተን ዲሲ —
ርእሰ-ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ፡ ኣብ ናይ ልደት ቅዳሴኦም ኣብ ዘስምዕእዎ ስብከት፡ ሎሚ ዝካየድ ዘሎ ዕጥቃዊ ግጭት ንኽርስቶስ ኣብዛ ዓለም ሓንቲ ክፍሊ`ኳ ነፊግዎ`ሎ ኢሎም።
“ልብና ኣብ ቤተለሄም ኣሎ፡ ኣብታ ንጉስ ሰላም ከይኣትዋ ብዘይረብሕ ኲናት ተኸልኪሉላ ዘሎ ከተማ” ኢሎም ፖፕ ፍራንሲስ። እቶም ርእሰ-ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኣደባባይ ኣቡነ ጴጥሮስ ሮማ ቅዳሴ ልደተ- ክርስቶስ ኣብ ዝመርሕሉ ዝነበርሉ እዋን ኣስታት 6ተ ሺሕን ሓሙሽተ ሚእትን ምእመናን ተረኺቦም ኔሮም።
ፖፕ ፍራሲስ ኣብቲ ዘረባኦም፡ "ዓለማዊ ሓይሊ ንምጭባጥ፡ ዝናኻ ክብ ንምባል ከምኡ`ውን ኣነ`የ ንምባል ዝግበር ፋሕተርተር ውጽኢቱ ንርእዮ ዘለና`ዩ፡" ኢሎም። ክርስቶስ ግን ኣብነት ምሕረትን ይቕረን ምንባሩ ዝገለጹ ካቶሊካዊ ርእሰ-ሊቃነ ጳጳሳት፡ "ናብቶም ብዂናት ዝሳቐዩ ዘለዉ ወገናትና ኢድና ክንዝርግሕ ይግባእ፡" ኢሎም።
“ብፍልስጢም፡ ብእስራኤል ብዩክሬን ንሓስብ፡ ከምኡ`ውን በቶም ብጥምየትን ሕሰምን ዝሳቐዩ ዘለዉ ንሓስብን ንጽልን ዝበሉ ፖፕ ፍራንሲስ፡ ኣምላኽ ኣብ ልቢ ደቂ ሰባት ርሕራሔን ሰብኣውነትን ክተክል ንጽሊ፡" ኢሎም -- ብምኽንያት`ቲ ሎሚ ዝዝከር ዘሎ በዓል ልደት ኣብ ኣደባባይ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝመርሕዎ ቅዳሴ።