ቭላድሚር ፑቲን ናብ ማእከላይ ምብራቕ ምብጻሕ የካይድ

መራሒ ሩስያ ምስ ሚኒስተር ወ/ጉዳያት ሕ/ኢ/ዓረብ

ድሕሪ ወራር ዩክሬን መንገሻታቱ ኣዝዩ ተሓጺሩ ዝጸንሐ ፕረዚደንት ሩስያ፡ ቭላድሚር ፑቲን ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምግባር ሎሚ ኣብ ርእሰ-ከተማ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝዀነት ኣቡዳቢ ኣትዩ። ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዓብዱላሂ ቢን ዛይ ኣልናህያን ካልኦት ሰብ-መዚ እታ ሃገርን ከም ዝተቐበሉዎ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ ኣስፊሩ።

ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ከም ዝሓበሮ፡ ፕረዚደንት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ሼኽ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣል-ናህያ ንኽብሪ ፕረዚደንት ፑቲን ሃገራዊ ኣቀባብላ ገይሩሉ ኣሎ።

ድሕሪ ወራር ዩክሬን፡ ፑቲን ብዘይካ ናብ ቻይናን ኢራንን መንገሻታቱ ኣብ ናይ ቀደም ሕብረት ሶቬት ዝነበረ ሃገራት ጥራይ’ዩ ተሓጺሩ ጸኒሑ።