ኣብርሃ ካስል -- ቅርሲ ምላማዕ'ዶ ምዕናው?
Your browser doesn’t support HTML5
ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከብ ታሪኻዊ ቦታ ሆቴል ኣብርሃ ካስል ለሚዑ ንዘመናዊ ሆቴል ክኸውን ተባሂሉ ዝወፀ ዲዛይን መዘራረቢ ኮይኑ ኣሎ። ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ክልል ትግራይ እቲ ዝካየድ ልምዓት ነቲ ቦታ ታሪኻዊ ትሕዝትኡ ብዝሕሉ መንገዲ’ዩ ዝፍጸም ይብል። ክኢልታት ስነ-ቅየሳ ግን ምስቲ ሓሳብ ኣይሰማምዑን።