ሶማል፤ ኣስታት 1.7 ሚልዮን ዜጋታት ብዝናብ ተመዛቢሎም

ብርቱዕ ዝናብ ድሕሪ ዝተናውሕ ደርቂ'ዩ ዝሃርም ዘሎ

ኣብ ሶማል ዘጋጠመ ብርቱዕ ውሕጅ ንነኣሽቱ ከተማታትን ማሕበረሰባት ሃስዩ 1.7 ሚልዮን ሰባት ሓገዝ ከምዘድልዮም ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ገሊጸን።

ዝተፈላለየ ከባቢታት ሶማል ብውሕጂ ብኸቢድ ኣብ ዝተሃሰየሉ፡ ኣብ ማእከላይ ሶማል ትርከብን ፈለግ ሸበለ ዝሓልፈላን ከተማ በለደዊን ብውሕጅ ኣዝያ ከም ዝተጠቕዐት ተገፀሉ’ሎ።

ኣብ በለደዊን ኣብ መዓስከር ተመዛበልቲ ዝነበረ ቴንዳታት በቲ ውሕጅ ከም ዝተወስደን ብዘይ መፅለሊ ከም ዝተረፉ ተገሊፁ’ሎ።

ብመሰረት ናይ ቀይሕ መስቀል ዳይሬክተር ህፁፅ ኩነታት ምብራቅ ኣፍሪቃ ሻሽዋት ሳራፍ፡ 1.5 ሚልዮን ሄክታር መሬት ሶማል ብዝናብ ኣዕለቕሊቑ’ሎ። ወሲኾም ሶማልያ ምስ ጎረባብታ ኢትዮጵያን ኬንያን ካብቲ ዝነውሓ እዋን ደርቂ ኣብ ዝወፃን ውሕስነት መግቢ ገና ኣብ ዘይብለንን ሕጂ ብውሕጅ ዝተመዛበሉ ሰባት ከኣ ነቲ ዝፀንሐ ፀገም ዘጋድድ’ዩ ኢሎም።

ኣብቲ ዞባ ሕጂ ብሰንኪ ውሕጂ ተወኽቲ 3.1 ሚልዮን ሰባት ምምዝባሎምን ኣብ ሶማል ጥራይ 1.7 ሚልዮን ምዃኖም ገሊፆም’ለዉ።

ሓደ በዓል ስልጣን ቤት ዕዮ ምክልኻል ሓደጋ ሶማል ንትካል ዜና ኣሶሸይትድ ፕረስ ከም ዝበሉዎ፡ ዛጊድ 53-ሰባት ብውሕጅ ሞይቶም ኣለዉ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሃምዛ ኣብዲ ባረ ኣብ ቀረባ ንዞባ ገዶ ኣብ ዝበፅሕሉ እዋን፡ መንግስቲ፡ ነቶም በቲ ውሕጅ ዝተተንከፉ ካብኡ ዝወፀሉ ጀላቡ ሓዊሱ ዘድልዮም ሓገዝ ከም ዝገብር ኣፍሊጦም።