ፕረዚደንት ኬንያ ዊሊያም ሩቶ መንግስቶም ‘’ኣብ ቢሮክራሲያዊ ሕልኽላኽ ተቐርቂረን ዝርከባ’’ 35 ኩባኒያታት መንግስቲ ናብ ውልቂ ንምዛር ድልዊ ምዃኑ ሎሚ ሓሙስ ገሊፆም። እዚ ኣካል ኣፍራይነት ንምድንፋዕ ዝተቐየረ ሕጊ እዩ።
መንግስቶም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መንግስታዊ ትካላት ናብ ውልቂ ንምሻጥ ቀሊል ዝገብር ሕጊ ፈሪሙ እዩ። "እቲ ዝተመሓየሸ ሕጊ ናይ ውልቂ ትካላት ኣብ ቁጠባ እታ ሃገር ተሳትፎኦም ንምሕያል ዝዓለመ እዩ ኢሎም፡" እቶም ፕሬዝዳንት ኣብ እዋን ምፍራም እቲ ስነ-ስርዓት።
‘’እተን ንውልቃዊ ዘፈር ከነቕርበን ዝደለናየን ናይ መጀመሪያ 35 ኩባኒያታት ፈሊናየን ኣለና፡’’ ኢሎም ሩቶ ኣብ ናይሮቢ ንዝተኣከቡ ሰበስልጣን ዕዳጋ ስቶክ ኣፍሪካ።
ንሶም ወሲኾም መንግስቶም ብዛዕባ ካልኦት ብመንግስቲ ዝውነና 100 ኩባኒያታት እውን ኣማራፂታት ይርኢ ኣሎ ኢሎም።
ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ዝሓየለ ቁጠባዊ ዝሓዘት ኬኒያ ዝደኸመ ካዝና መንግስቲ፡ ሰማይ ዝዓረገ ዝቕባበን ሓዊሱ ከበድቲ ብድሆታት ገጢሞምዋ ትርከብ።
ዓለምለኸ ትካል ገንዘብ (IMF) ኣብዚ ወርሒ 938 ሚሊዮን ዶላር ንኬኒያ ንምልቃሕ ተሰማሚዑ ኣሎ። ኬኒያ ኣብ ዝቕፅል ዓመት ክልተ ቢልዮን ዩሮ ዝኽፈል ዓለምለኸ ዕዳ ኣለዋ።
ባንኪ ዓለም ነታ 53 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ኣብቶም ዝቕፅሉ ሰለስተ ዓመታት ዓሰርተ ክልተ ቢልዮን ዶላር ከምዝድግፋ ሰኑይ ገሊፁ ኣሎ።