መራሕቲ ውድብ ምትሕግጋዝ እስልምና፡ ኣመሪካ ኣብ ቓዛ ምትእትታው ክትገብር ይውጽዑ

Your browser doesn’t support HTML5

ነቶም 57 መራሕቲ ሃገራትን መንግስታትን ወኪሉ ናብ ኣመሪካ ዝተጓዕዘ ፕረዚደንት እታ ዝበዝሕ ኣማኒ ምስልምና ዘለዋ ፕረዚደንት ኢንዶንዢያ ጆኮ ዊዶዶ’ዩ። ፕረዚደንት ዊዶዶ ትማሊ ሰኑይ ነቲ ሓባራዊ መልእኽቲ ሒዙ ናብ ፕረዚደንት ባይደን ኣብ ዝቐረበሉ እዋን፤ “ኢንዶነዥያ፡ ኣመሪካ ንመጥቃዕቲ ቓዛን ኣብኡ ዝግበር ዘሎ ሰብኣዊ ቅዝፈትን ደው ንምባል ክትሰርሕ ትምሕጸን። ምቍራጽ ተጻብኦ ንስለ ሰብኣውነትን ድሕነት ዜጋታን ኣማራጺ ዘይብሉ’ዩ፡” ኢሉ