እስራኤል፡ ሆስፒታል ቓዛ መሕበኢ ዕጡቓት ሓማስ ኰይኑ ኣሎ ኢላ ደብዳበ ኣብ እትቕጽለሉ ዘላ እዋን፡ እቲ ተግባር ብህጹጽ ደው ክብል ፕረዚደንት ባይደን ጸዊዑ። ፕረዚደንት ባይደን ኩነታት ሆስፒታል ኣል-ሸፋ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ይገድድ ከም ዘሎ ድሕሪ ምፍላጡ፡ ሆስፒታል ካብ “ወታሃደራዊ ዕላማ ምዃን ደው ክብል ኣለዎ፡” ኢሉ።
Your browser doesn’t support HTML5
ሓደ ሓኪም እቲ ሆስፒታል ትሽዓተ ቅድሚ ግዜኦም ዝተወልዱ ዕሸላት ኣብ ሓንቲ ዓራት ተጸቓቒጦም እንከለዉ ድሕሪ ምዝርጋሑ፡ ንዅነታት እቲ ሆስፒታል ከርኢ ክኢሉ’ዩ። ወታሃደራት እስራኤል ድማ ነቲ ሆስፒታል ዝኸውን መጻንሒ ዕሽላት ካብ እስራኤል ንምምጻእ መደብ ከም ዘለዎም መሊሶም ኣለዉ።
እስራኤል ደጋጊማ፡ ሆስፒታል ኣል-ሺፋ መሕብኢን መኽዘን ኣጽዋርን ጕጅለ ሓማስ ኰይኑ ኣሎ ብምባል ትኸስስ። ነቲ በብእዋኑ እተቕርቦ ክስታት ግን ዛጊት መረዳእታ ኣየርኣየትን።
ዳይረክተር ሆስፒታል ኣልሺፋ ንኣገልግሎት ዜና ኣሶሸትድ ፕረስ ከም ዝሓበሮ፡ ሓይሊ መብራህቲ ጠፊኡ፡ እቲ ሆስፒታል ኣብ ዝተሓተ ናይ ምሕጋዝ ብርኩ ወሪዱ ኣሎ።
እቲ ዳይረክተር ከም ዝገለጾ 179 ሬሳታት ኣብ ሓደ ጃምላዊ መቓብር ክግበሩዎ ተገዲዶም ኣለዉ። ካብ መንጎኦም ህጻናት ይርከቡዎም።
ኣብቲ ሆስፒታል ዝተቐመጠ ሬሳታት ክጨኑ ምጅማሩ መሰኻኽር ሓቢሮም።
ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸትድ ፕረስ ንሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ብምጥቃስ ከም ዘስፈሮ፡ 7 ጥቅምቲ ዝጀመረ መጥቃዕቲ እስራኤል ህይወት 11,240 ወሲዱ ኣሎ። ጉጅለ ሓማስ ድማ 1200 እስራኤላውያን ቀቲሉ፡ 240 ድማ ጅሆ ከም ዝወሰደ ይዝከር።
ኣብ ቓዛ እዚ እናዀነ እምበኣር’ዮም መራሕቲ መራሕቲ 57 ሃገራት መብዛሕትኦም እምነት ምስልምና ዝዀኑ፡ ንፕረዚደንት ጆ ባይደን እቲ ኲናት ደው ኣብ ምባል ጸቕጢ ክግበር መጸዋዕታ ዘቕርቡ ዘለዉ።
ነቶም 57 መራሕቲ ሃገራትን መንግስታትን ወኪሉ ናብ ኣመሪካ ዝተጓዕዘ ፕረዚደንት እታ ዝበዝሕ ኣማኒ ምስልምና ዘለዋ ፕረዚደንት ኢንዶንዢያ ጆኮ ዊዶዶ’ዩ።
ፕረዚደንት ዊዶዶ ትማሊ ሰኑይ ነቲ ሓባራዊ መልእኽቲ ሒዙ ናብ ፕረዚደንት ባይደን ኣብ ዝቐረበሉ እዋን፤ “ኢንዶነዥያ፡ ኣመሪካ ንመጥቃዕቲ ቓዛን ኣብኡ ዝግበር ዘሎ ሰብኣዊ ቅዝፈትን ደው ንምባል ክትሰርሕ ትምሕጸን። ምቍራጽ ተጻብኦ ንስለ ሰብኣውነትን ድሕነት ዜጋታን ኣማራጺ ዘይብሉ’ዩ፡” ኢሉ
ፕረዚደንት ዊዶዶ፡ ኣብ ሪያድ ካብ ዝተጋብአ ውድብ ምትሕግጋዝ እስልምና፡ መርገጺ’ውን ናብ ፕረዚደንት ባይደን ኣቕሪቡ።
እቲ ኣብ ቀዳመ-ሰንበት ኣብ ሪያድ ዝተጋብአ ሕብረት ነብሰ-ምክልኻል ብዝብል ስያማ እስራኤል ኣብ ቓዛ እትወስዶ ዘላ ስጕምቲ ኰኒኑ። ብተወሳኺ እቲ ኲናት ብቕልጡፍ ክዕራፍን ናብ እስራኤል ዝግበር መሸጣ ኣጽዋር ደው ክብል ድማ ጸዊዑ።
ኣብቲ ኣብ ቤተ -መግስቲ ዋህት-ሃውስ ኣብ መንጎ ክልተ መራሕቲ ዝተገብረ ርክብ ግን ባይደን ጸቒጡ ዝተዛረበሉ ኣብ መንጎ ክልተ ሃገራት ዘሎ ምትእስሳር’ዩ።
“ብዛዕባ ዝምድናን ምትእስሳርን ክልተ ሃገራት ኢና ንዛረብ ዘሎና። ሽርክነትን ናብ ዝለዓለ ብርኩ ንምብጻሕ ክንሰርሕ፡ ሓባራዊ ስትራተጃዊ ዕዮ ይሓተና፡” ኢሉ ባይደን።
ብዛዕባ ቓዛ ግን ኣይጠቐሰን።
ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ዋይት-ሃውስ ጄክ ሱሊቫን ግን በቲ ርክብ ትስፉው’ዩ። “ኣብ ካልእ ጉዳያት ፍልልይ ኣይሰኣኖምን ይኸውን። ኣብ ቅልዋልው ቓዛ ዘለዎም ኣረኣእያ ግን ተመሳሳሊ’ዩ” ኢሉ ኣማኻሪ ጸጥታ ጄክ ሱሊቫን።
ፕረዚደንት ዊዶዶ ድሕሪ ርክብ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ናብ ሳንፍራንሲስኮ ኣቕኒዑ ኣብ ዋዕላ ቍጠባዊ ምትሕግጋዝ ኤስያ ፓሲፊክ ክሳተፍ’ዩ።
ኣብቲ ርክብ ፕረዚደንት ባይደን’ውን ምስ መራሒ ቻይና ሺ ዢንፒንግ ንምርኻብ መደብ ሒዙ ምህላዉ ናይ ዋይት-ሃውስ ወኪልና ፓትስይ ዊዳኩስዋራ ኣብ ዝለኣኸቶ ጸብጻብ ትጠቅስ።