ዓረና ሓድሽ መሪሕነት ይምረፅ፡ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ብምሉእ ክትግበር ይፅውዕ
Your browser doesn’t support HTML5
ውድብ ዓረና ትግራይ ንዴሞክራሲን ሉኣላዊነትን ኣይተ ዓምዶም ገብረስላሰ ኣቦ መንበር እቲ ውድብ ክኾኑ መሪጹ።
እቲ ውድብ ኣብ ዘካየዶ ጉባኤ ሓደሽቲ ኣመራርሓ ዝመረፀ ኮይኑ ጊዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ንኩሎም ሓይልታት ዘሳተፈ ክኸውን ዝግባእ እንተኾነ ግና ህወሓት ዝዓብለሎ ምምሕዳር ኮይኑ ክብል ኣፍሊጡ። ኣብዚ ጉዳይ ካብ ኣመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ምላሽ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፃዕሪ ኣይሰመረን።