ዋሽንግተን ዲሲ —
ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝዀነ ማይክ ሃመር፡ ካብ ሎሚ ሰኑይ 28 ነሓሰ ጀሚሩ ክሳብ 8 መስከረም ኣብ ኬንያን ኢትዮጵያን ናይ ስራሕ መደብ ሒዙ ከም ዘሎ ካብ ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ዝተላእከ ሓበሬታ ጠቒሱ።
እቲ ፍሉይ ልኡኽ ምስ ሰብ-መዚ ኬንያ፡ ኢትዮጵ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ውድብ ኢጋድን ካልኦት መሻርኽቲ ኣካላትን ክዛራረብ ምዃኑ እቲ ሓበሬታ የነጽር።
ኣምባሳድር ሃመር ኣብ ዑደቱ፡ ንምርግጋእ ሱዳንን ጉዳይ ተሓታትነት ንፈጸምቲ ግፍዒን፡ ኣመልኪቱ’ውን ክዝቲ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።
እቲ ፍሉይ ልኡኽ ኣብ ኢትዮጵያ ሒዙዎም ዘሎ መዘራረቢ ኣጀንዳ፡ ትግባረን ከስጋግስን ስምምዕ ፕሪቶሪያ ከምኡ’ውን ንዳህሳስ ዘላቒ መፍትሒ ግጭታት ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሞን ኢዮም።