ሎሚ ኣብ ዝተዛዘመ ስሩዕ ኣኼባ ብሪክስ፡ ንኢትዮጵያ ሓዊሱ ሽዱሽተ ሃገራት ናብቲ ደንበ ክጽንበራ ከም ዝፈቐደ ኣፍሊጡ። ናብዚ ደምበ ዝጽንበራ ዘለዋ ሃገራት፤ ኢትዮጵያ፡ ስዑድ ዓረብ፡ ኢራን፡ ሕቡራት ዓረብ ኢማራት፡ ኣርጀንቲናን ግብፂን'የን።
እዚ ደምበ ቻይና፡ ሩስያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ህንዲን ብራዚልን ዝሓቘፈ'ዩ።
ናይዚ’ዚ እዋን ኣቦ መንበር ብሪክስ ዝኾነት ሃገሮም ፕሬዝዳንት ደቡብ ኣፍሪካ ሲረል ራማፎዛ ኣብቲ ኣብ ጆሃንስበርግ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ፡ ዕላዊ ከም ዝገበርዎ ሓሙሽተ ሃገራት ጉጅለ ብሪክስ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ክሰርሓሉ ድሕሪ ምፅናሕ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ድማ ንኽልተ መዓልታት ድሕሪ ምዝታዮም ምስፋሕ ኣባላት እቲ ጉጅለ ምስምመዕም ገሊፆም።
ብሪክስ ቁፅሪ ኣባላቱ ከዕቢ ውሳነ ከሕልፍ እዚ ንኻይኣይ እዋን ምዃኑ እዩ። እቲ ጉጅለ ኣብ 2009 ብብራዚል፡ ሩስያ፡ ህንድን ቻይናን እዩ ፈለማ ተጣይሹ። ኣብ 2010 ድማ ደቡብ ኣፍሪካ ተፀምቢራ። ኣብዚ እዋን ጉጅለ ሃገራት ብሪክስ ንልዕሊ 40% ህዝቢ ዓለም ዝውክል ኮይኑ ልዕሊ ርብዒ ፍርያት ውሽጢ ሃገር ናብ ዓለም የቕርብ።
"እዚ ውሳነ ምብዛሕ ኣባላት ታሪኻዊ'ዩ ሃገራት ብሪክስ ንሓድነትን ምዕባለን ዘለወን ቆራፅነት ዘርኢ እዩ፡" ክብሉ መራሒ ቻይና ሺ ኣብቲ ዋዕላ ተዛሪቦም።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ሃገሮም ናብዚ ደምበ ምንባራ ዘለዎም ሓጐስን እቲ ጕጅለ ክፈጥረሎም ብዛዕባ ዝኽእል ብልጫታትን ገሊጾም።
መራሒ ሕቡራት ዓረብ ኢማራት ሸኽ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣል ናህያን ብኢንተርኔት ኣብ ዝለኣኽዎ መልእኽቲ ነቲ ብሪክስ ንሃገሮም ኣብ “እዚ ኣገዳሲ ጉጅለ ብሪክስ” ከምዝፅምብሮ ዘውፅኦ መግለፂ ብሓጎስ ከምዝተቐበልዎ ኣስፊሮም።
ድሕሪ ምፍራስ ስምምዕ ኑክሌር ቴህራን 2015 ስዒቡ እናወሰኸ ዝመፀ ወጥሪን ንዕኡ ስዒቡ ድማ ኣብታ ሃገር ዝተፈፀሙ ተኸታተልቲ መጥቃዕትታትን ኣብ ዝረኣየሉ እዋን ኢራን፣ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ዓረብ ኢማራትን ብሓባር ኣብ ሓደ ቁጠባዊ ወይ ፖለቲካዊ ውዳበ ምእታወን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዘይሕሰብ ኮይኑ ፀኒሑ እዩ።