በዓል ኣሸንዳ ጀሚሩ

Your browser doesn’t support HTML5

ፈለማ ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ ድሒሩ ድማ ብሰንኪ ኲናት በዂሩ ዝጸንሐ በዓል ኣሸንዳ ሎሚ ሰሉስ ኣብ መቐለ ብወግዒ ተኸፊቱ ኣሎ። ነዚ ዓቢ በዓል ምኽንያት ብምግባር’ውን ሚኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብርሃም በላይ፡ ኣብ ናይ ፈስይቡክ ገጽ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶሪያ፡ ዘሰሓሕብ ቦታታት ትግራይ ብሕገ-መንግስቲ ዝምልሰሉ፡ ተመዘበልቲን ናብ ቦታኦም ንምምልስ ይስርሓሉ ከም ዘሎ ኣመልኪቱ።