ዚምባባወ ንሃገራዊ ምርጫ ትቀራረብ

Your browser doesn’t support HTML5

ፖለቲካዊ ሰልፍታት ዚምባብወ ጽባሕ ረቡዕ ንዝካየድ ፕረሲደንታዊ ምርጫ ይዳለዋ`ለዋ። ቀንዲ ተዋዳደርቲ፡ ፕረሲደንት ኤመርሰን ምናንግዋን መራሒ ተቓወምቲ ነልሰን ቻሚሳን`ዮም። ምውሃብ ድምጺ ፕረሲደንታዊ ምርጫ ዝምባብወ ሰዓታት ኣብ ዝተረፈሉ እዋን፡ ብኽልቲኡ ወገን ዘለዉ ዚምባብውያን ተስፋ ዝገብርዎ ዘለዉ፡ እቲ መስርሕ ምስ ተወድአ፡ ኩሎም ድማ ነቲ ውጽኢት ምርጫ ክቕበሉ`ዩ። ካብ ሃራረ፡ ኮልምበስ ማቩንጋ ዝለኣኾ`ዩ።