"ኣብ ዳስ መርዓ እምበር ትምህርቲ ኣይህወሃብን"
Your browser doesn’t support HTML5
ኣሰፉ ፍስሃ፡ ኣብ ትምህርቲ ቆልዑ ንዝርአ ዘይምዕሩይነት ዓይና ዓሚታ ክትሓልፎ ኣይመረፀትን። ዓቕማ ንኡስ ደኣ ይንበር እምበር፡ ብዝከኣላ፡ ተመሃሮ ኣብ ዝሓሸ መምሃሪ ክፍሊ ኮይኖም ንኽመሃሩን ብሕፅረት መጽሓፍቲ ድሕሪ መሳቱኦም ከይተርፉን ኣበርቲዓ ክትሰርሕ ፀኒሓን ኣላን። ንሎሚ ብዛዕባ’ዚ ቅዱስ ተበግሶኣ ኣመልኪትና ጋሻ ድምፂ ኣመሪካ ጌርናያ ኣሎና።