ሃስያ ዘፈር ቱሪዝም ብሰንኪ ግጭት ክልል ኣምሓራ
Your browser doesn’t support HTML5
ዘፈር ቱሪዝም ኢትዮጵያ፡ በቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት፡ ማህሰይቲ ይበፅሖ ምህላው ናይ ኢትዮጵያ ማሕበር ኣወሃሃድቲ ጉዕዞ፣ (ቱር ኦፕሬተርስ ኣሶስዬሽን) ኣፍሊጡ። ፕረዝደንት እቲ ማሕበር ኣቶ ፍፁም ገዛሀኝ ንድምፂ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃለመሕትት፣ እቲ ዘፈር ቅድም ክብል ብለበዳ ኮሮና 19ን ብዂናት ሰሜን ኢትዮጵያን ኣዝዩ ከም ዝተጎድአ ምስገለፁ፣ ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ግን ፅቡቕ ምንቕቓሕ ኣርእዩ ከምዝነበረ ሓቢሮም።