ሚኒስተራት ምክልኻል ኢኮዋስ ኣብ ጋና ይጋብኡ፡ ስጕምቲ ክወስዱ ምዃኖም የጠንቅቑ

ወታሃደራውያን መራሕቲ ደምበ ኢኮዋስ

(ዋሽንግተን) ወታሃደራውያን መራሕቲ ደምበ ቍጠባዊ ውድብ ምዕራብ ኣፍሪቃ (ኤኮዋስ) ጉዳይ ኒጀር ንምዝታይ ሎሚ ኣብ ኣክራ ጋና ርክብ ጀሚሮም ኣለዉ። ውድብ ኤኮዋስ፡ ምስ ወታሃደራዊ መሪሕነት ኒጀር ብሰላማዊ መንገዲ ንምዕራፍ ብተደጋጋሚ ድሕሪ ዝግበሮ ፈተነ ፍረ ስለ ዘይረኸበሉ፡ ነታ ሃገር ናብ ቅዋማዊ ምምሕዳር ንምምላስ ወታሃደራዊ ስጕምቲ ክወስድ ኣብ ምድላው ከም ዘሎ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሽትድ ፕረስ ኣመልኪቱ።

ኮሚሽነር እቲ ውድብ፡ “ሓይሊ ምጥቃም ኣድላዪ እንተዀይኑ፡ ናብ ኒጀር ብሓይሊን ዘለና ቀረባትን ክንኣቱ ኢና፡” ክብል ቃል ሂቡ ኣሎ።

ኢኮዋስ ናይ ተጠንቀቕ ሓይሊ ኣዳልዩ ምህላዉ ሓቢሩ ኣሎ። እዚ ሓይሊ’ዚ ንውሽጢ ኒጀር ክኣቱ ብዛዕባ ምዃኑን ዘይምዃኑን ግን ዛጊት ኣይተንጸረን።