ኢራን ምስ ተቖጻጻሪ ኒኵለር ሕ/ሃገራት ጽቡቕ ምርድዳእ ምብጻሓ ትሕብር

ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኢራን ኣብ ጋዜጣዊ መግለጺ

(ዋሽንግተን) ሚኒስተር ወጻኢ ኢራን ሃገሮም ምስ ናይ ሕቡራት መንግስታት ተቖጻጻሪ ኒኵለር ብምትሕብባር ኣብ ዘለዉ ዘይደቀሱ ጉዳያት ጽቡቕ ሰጕማ'ላ ክብሉ ተዛሪቦም።

ሑሰን ኣምር ዓብደላህን ኣብ ቴህራን ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ እቲ ምትሕብባር ናብ ጽቡቕ ኣንፈት የምርሕ'ሎ፣ ክልተ ወገናት ድማ ጽቡቕ ምዕባለ ገይሮም ኣለዉ ክብሉ ገሊጾም።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ኢራን ብዛዕባ ክልተ ኣብ ጥቃ ቴህራን ዝርከቡ ቦታታት ሓድሽ ዝርዝር ሓበሬታ ምሃባ ገሊጻ'ላ። ጉዳይ ምምዕባል ፕሮግራም ንኵለር'ታ እስላማዊት ሪፑብሊክ አብ ውጥረት ኣብ ዘለሉ ተቖጻጸርቲ ኣሰር ስራሕ ሰብ ዝኾነ ዩረንየም ምርካቦም ገሊጾም'ዮም።

እዚ ርእይቶ ዝስማዕ ዘሎ ኢራን ነቲ ኣብ 2015 ምስ ሓያላት ሃገራት ዓለም ብዛዕባ ኑክለር ዝገበረቶ ውዕል ሰንከልከል ኣብ ዝብለሉ ዘሎን ኢራን ኣጽዋር ኑክለር ንምምዕባል ናብ ዘኽእላ ብርኪ ኣብ ዝተቓረበትሉን ዩ።

ኢራን እቲ ፕሮግራም ንሰላማዊ መዓላ ዝውዕል'ዩ ክትብል ደጋገማ ትግለጽ'ምበር ምዕራባውያንን ናይ ሕቡራት መንግስታት ትካል ተቖጻጻሪ ኣቶሚክ ጸዓትን ግን ኢራን ክሳብ 2003 ዓ ም ኣብ ዝነበረ እዋን ዝተዋደደ ፕሮግራም ወታሃደራዊ ኑክለር ኔርዋ'ዩ በሃልቲ ዮም።