ኣርተፊሻላዊ ብልሒ ዝፈጠሮ ሻቕሎት--ተመሃሮ ብኢዶም ዕዮ ንምስራሕ
Your browser doesn’t support HTML5
ከም በዓል ቻት-ጂፒቲ ዝኣመሰሉ ውጽኢት ኣርተፊሻላዊ ብልሒ ብዙሕ ረብሓታት ከም ዘለዎም ኣየከራኽርን። እንተዀነ እዞም ውጽኢት ቴክኖሎጂ ንፈጠራዊ ስራሓት ከየልምሱ ብዙሓት ዝጠቕሱዎ ስክፍታ’ዩ። በዚ ኣዝዮም ዝተሻቐሉ መምሃራን ኮለጅ ድማ ዕዮ ገዛ ኣብ ክንዲ ብኮምፕዩተር ምስራሕ፡ ተመሃሮ ብኢድ ጽሒፎም ከረክቡ ክሳብ ምኻድ ይምድቡ ኣለዉ።