ጃፓን ኣብ መፍረ ኣጽዋር?
Your browser doesn’t support HTML5
ብመንጽር ቻይና ኣብ ምብራቓዊ ባሕሪ ቻይና ዘለዋ ወታሃደራዊ ቍመና፡ ጃፓን ኣብ ዝቕጽሉ ኣርባዕተ ዓመታት፡ ኣብ ፕሮግራም ምክልኻል ዝውዕል ኣማኢት ቢልዮናት ዶላራት ከተውፍር እያ። ካብ ቶክዮ ሪፖርት ዝለኣኸ ወኪልና ሄንሪ ሪጅዌል ግን መንግስቲ ጃፓን፡ ነተን ዓበይቲ ኩባንያታት ቴክኖሎጂን ኢንዱስትሪን፡ ኣጽዋራት ንኽሰርሓ ኣብ ምእማን ጸገም ከምዘጋጥሞ’ዩ ይሕብር።