ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ንቖንስል ብሪጣንያ ኣብታ ሃገር ጸዊዑ ኣዘራሪቡ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ናይ ኬንያ ጋዜጣዊ መግለጺ

(ዋሽንግተን) ኣምባሳድር ብሪጣንያ ኣብ ኢትዮጵያ ንጉዳይ ኤርትራ ኣመልኪቱ ምስ ቴለቪዥን ትግራይ ድሕሪ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት፡ ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ፡ ኣብ ኣስመራ ንዝርከብ ቆንስል እታ ሃገር ጸዊዑ ከም ዘዘራረበ፡ ንሓበሬታ ሚኒስተር ዜና ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ ኣስፊሩ።

እቲ ብሪጣንያዊ ዲፕሎማሰኛ ኣብ ቃለ-መሕተቱ፡ ኤርትራ ካብ ትግራይ ሰራዊታ ክትስሕብ መንግስቱ ከም ዝድግፎ’ዩ ምስ ቴለቪዥን ትግራይ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መጠየቕ ጠቒሱ። ንቃለ-መሕተት ኣምባሳድር ዳረን ወልሽ ስዒቡ ድማ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ፡ ትማሊ ሓሙስ ንቆንስል ብሪጣንያ ኣብ ኣስመራ ብምጽዋዕ፡ “እቲ እንግሊዛዊ ዲፕሎማሰኛ ንሓቅነት-ኣልቦ ዘረባ ህወሓት ብምድጋሙ ኤርትራ ዘለዋ ልዑል ተቓውሞ ነቲ ዲፕሎማሰኛ ኣፍሊጣ፡” ክብል ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል ኣብቲ ቅድም ብትዊተር ዝፍለጥ ሕጂ ድማ “ኤክስ” ዝብሃል ዘሎ ማሕበራዊ ገጽ ሓቢሩ።

ኤርትራ ኣብ ኲናት ትግራይ ብምስታፋን ኣብኡ ብሰራዊት ኤርትራ ወሪዱ ዝብሃል በደላት በበይኖም ተሓለቕቲ ትካላት ደጋጊሞም ክጠቕሱዎ ዝጸንሑ’ዩ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ግን ኣብቲ ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ነቲ ክስታት “ፋንትዛያ’ዩ፡” ክብል ነጺጉዎ ነይሩ።