ክልል ትግራይ፤ "ፕሮግራም መግቢ ዓለም ሓገዝ ገና ኣይጀመረን"
Your browser doesn’t support HTML5
ፕሮግረኣም መግቢ ዓለም ኣብ ክልል ትግራይ ዝተቛረፀ ምክፍፋል ህፁፅ ሓገዝ መግቢ ጀሚሩ ንዝበሎ፡ ኮምሽን ኣመራርሓ ሓደጋ ስግኣት ክልል ትግራይ ኣሉታዊ ምላሽ ሂቡ። እቲ ኮሚሽን ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝህቦ ምላሽ እቲ ዝወሃብ ዘሎ ረዲኤት ዜጋታት ሰሪሖም ዝኽፈልሉ “ሰፍቲ-ኔት” ብዝብል ስም ዝጽዋዕ ፕሮግራም ምዃኑ ኣመልኪቱ። ኮምሽነር እቲ ኮምሽን ዶክተር ገብረህይወት ገብረእግዚኣብሄር ኣብቲ ክልል ብምኽንያት ጥምየት 1411 ሰባት ህይወቶም ከምዝሓለፈ ንድምፂ ኣሜሪካ ገሊፆም።