ሰራዊት ፈደራል ከተማታት ኣብ ዘምለሱሉ ዓሰርተታት ምማቶም ይሕበር

ስእሊ--ካብ ዕጡቓት ሓይሊ ክልል

ብሰንኪ’ቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተወለዐ ግጭት፡ ብርክት ዝበሉ ሰባት ከም ዝሞቱን ከምዝቖሰሉን ንምንጭታት ሆስፒታል ዝጠቐሰ ትካል ዜና ፈረንሳ (AFP) ሓቢሩ።

ጋዜጠኛታት ኣብ’ቲ ክልል ኣትዮም ንክጽብጽቡ ኣይፍቀደሎምን፣ ዝወጹ ሓበሬታት ድማ ብናጻ ኣካል ምርግጋጽ ኣይተኻእለን ዘሎ።

ምልሻታት ኣምሓራ ኣብ እዋን ኲናት ናይ ትግራይ፡ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኮይኖም ተዋጊኦም እዮም። እንተኾነ፡ መንግስቲ’ታ ሃገር፡ ናይ ክልላት ሰራዊታት ዕጥቆም ይፍትሑ ምስበለ ኣብ መንጎኦም ውጥረት ከምዝተፈጠረ እቲ ዜና ይሕብር።

ኣብ ሆስፒታል ጎንደር ዩኒቨርስቲ ዝሰርሕ ሓደ ዶክተር ’20 ሰባት ከምዝሞቱን፣ ልዕሊ 190 መብዛሕተኦም ሲቪላት ከምዝቆሰሉን’ ክጠቅስ ከሎ፣ ካብ ባህርዳር ሪኢቶ ዝሃበ ካልእ ዶክተር ድማ ‘130 ዝቆሰሉ ከምዝቆሰሉን 10 ከምዝሞቱን’ ንAFP ገሊጹ።

ኣመሪካ፡ ዓባይ ብሪጣንያን ካልኦት ሃገራትን፣ ዜጋታተን ናብ ክልል ኣምሓራ ንኸኣትዉ ኣብ ምምዓድ ይርካባ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ጋዜጠኛ በቃሉ ኣላምረው ሰንበት ከም ዝተኣሰረን ክሳብ ሎሚ ከምዘይተፈትሐን ቤተሰቡ ንትካል ዜና ፈረንሳ ሓቢሮም ኣለዉ።