(ዋሽንግተን) ንኣስታት ኣርባዕተ ኣዋርሕ ዝቐጸለ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን፡ ንሚልዮናት ኣብ ፍጹም ሰብኣዊ ቅልውላው የእትዩ፡ ኣብታ ሃገር ንዝተሓደሰ ዓሌታዊ ጎንጺ የምርሕ ከም ዘሎ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዝገበሮ ገምጋም ገሊጹ።
ኣብቲ ንዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ዝቐረበ ጸብጻባት፡ እታ ሃገር ተስፋ ኣብ ዘይብሉን ኣብ ሓጺር እዋን ዝዓርፍ ዘይመስልን ሰንሰለታዊ ቅትለትን ዓዘቕቲ ትሽመም ከም ዘላ ሰብ-መዚ ገሊጾም። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ብሰንኪ እቲ ግጭት ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ዜጋታት ከም ዝሞቱ መንግስቲ ገሊጹ ነይሩ። ድሕሪኡ ኣብ ዝሰዓበ እዋናት ግን መጠን ሞት ዝነግር ኣካል’ውን ኣይተረኽበን።
Your browser doesn’t support HTML5
ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣተሓባባሪ ሰብኣዊ ሓገዛት ዝዀነት ኢደም ዎሶኑ፡ እቲ ቅልውላው ንኣስታት ኣርባዕተ ሚልዮን ዜጋታት እታ ሃገር ካብ መንበሪታት ኣፈናቒሉ፡ ናብ ተጸበይቲ ረዲኤን ኣውሪዱዎም ምህላዉ ጠቒሳ።
ኣብ መንጎ’ቶም ብወታሃደራዊ ኣዛዚ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃንን ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ (ሕሜቲ)ን ዝእዘዙ ዘለዉ ሰራዊት ዘሎ ኲናት፡ ብሕልፊ ኣብ ካርቱምን ምዕራብ ዳርፎርን ኣይዓረፈን። ብሕልፊ እኳ ኣብ ምዕራብ ዳርፎር ዘሎ ኲናት ገበናት ኲናት ተደጋጋሚ ይምዝገብ ከም ዘሎ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ኣመልኪቱ።
ክልተ ተቐናቐንቲ ሓይልታት ቀጻሊ ውግእ የካይዱ እኳ እንተለዉ፡ ዛጊት ተዓዋቲ የለን ዝበለት ኣብ ሕቡራት ሃገራት ተኸታታትሊት ጉዳያት ኣፍሪቃ ዝዀነት ማርታ ፖቢ (Martha Pobee)፡ ኣደራዕ ናይቲ ኵሉ ዝወርዶም ዘሎ ግን ሲቪላውያን ዜጋታት እታ ሃገር’ዮም ኢላ። ገለ እዋን ኣልማማ መጥቃዕቲ ንሲቪላውያን ዜጋታት፡ ካልእ ግዜ ድማ ብፍላጥን ብዕላማን ዝግበር መጥቃዕታት እቲ ቀንዲ ኣዕናዊ ኰይኑ ዘሎ’ዩ።
ማርታ ፖቢ፡ ኣብ መደረኣ እቲ እንኮ ዘላቒ ፍታሕ ኣብ መንጎ ክልተ ወገናት ዝግበር ዝርርብን ሰለማዊ መዕረፍን’ዩ ክትብል ገሊጻ። ከም ኣዘራርባ እታ በዓልቲ መዚ፡ እቲ ኲናት ብዝቐጸለ መጠን፡ እታ ሃገር ተገማሚዓ ንምዕራይን ንምሕዋይን ኣዝዩ ኣሸጋሪ ክኸውን ምዃኑ ርዱእ’ዩ ኢላ። ትሕተ-ቅርጺ እታ ሃገር ብዘይ መጠን ይዓኑ ብምህላዉ ድማ ካብቲ ንምጽጋን ዳሕራይ ዘኽብዶ ምዃኑ ፖቢ ሓቢራ። መጭወቲን መቕተልቲን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ብሕልፊ እኳ ኣብ ዳርፎር ይርአ ከም ዘሎ ኣብቲ ገምጋም ቀሪቡ። እዚ ተርእዮ ድማ እቲ ግፍዕታት ንኸይስነድን ዳሕራይ ንተሓታትነት ከየምርሕን ምዃኑ’ዩ።
ነቲ ዘተ ዝመርሐት ኣምባሳድር ኣመሪካ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ ብወገና፡ እቲ ዘሎ ምዕባለታት “ፍጹም ተስፋ ዘቝርጽ’ዩ” ክትብል ገሊጻቶ። ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ቮልከር ፐርዘስ ካብታ ሃገር ስለ ዝተሰጐገ ድማ ነቲ ዝሕለን ዘተ’ውን ተስፋ ዝኸልኦ ተርእዮ’ዩ ክትብል ድማ ወሲኻ።
ኣምባሳድር ሱዳን ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዝዀነ ኣልሃሪዝ መሓመድ ብወገኑ፡ ኣብታ ሃገር ንዝርአ ዘሎ ኵነታት ብግቡእ ንምርዳእ ሓድሽ ኣጠማምታን ሜላን ከም ዝሓትት መጒቱ። እቲ ግጭት ብናይ ደገ ድፍኢት ይቕጽል ምህላዉ እቲ ቀንዲ ኣተኵሮ ኣብቶም ዞባውያን ሓይልታት ክግበር ኣዘኻኺሩ። እቲ ኣምባሳድር ኣብ መግለጺኡ ሱዳን ብኣፍሪቃዊ ሕብረት ዝምእከል ዘተ ሰላም ከም እትቕበልን እትድግፍን ተዛሪቡ።
ኣምባሳድር ኣመሪካ ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ ካብቲ ጸቒጣ ዝተዛረበትሉ ነጥቢ፡ ኣብ ዳርፎር ብሓልታት ህጹጽ ወሃብ ድጋፍ ዝርአ ዘሎ ዓሌት-ተኰር ቅትለትን ምጕስቓልን’ዩ። እቲ ንጸለምቲ ሱዳናውያን ብናይ ዓረብ ዘርኢ ዘለዎም ሚሊሻ ዝጎንፎም ዘሎ መቕተልቲ ዳግም ናብቲ ናይ 2004 ጃምላዊ ህልቂት ክመርሕ ዝኽእል ምዃኑ’ያ እታ ኣምባሳድር መጠንቀቕታ ሂባ። ነዚ ደው ንምባልን ሱዳን ናብ ትስፉው መገዲ ደሞክራሲ ንምምራሕን ድማ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ቅልጡፍ ኣቓልቦን ዝግበኦ መፍትሒን ከናድየሉ ኣምባሳድር ግሪን-ፊልድ ኣተሓሳሲባ።