ኣብ ማእከላይ ባሕሪ 41 ተጓዓዝቲ ሞይቶም

  • ዜና ቪኦኤ

ስእሊ ፋይል

(ዋሽንግተን) ማእከላይ ባሕሪ ንምስጋር ዝፈተኑ 41 ሰባት መርከብ ተሰይራቶም ከም ዝሞቱ፡ ካብቲ ሓደጋ ንዘምለጡን ኣብ ደሴት ላምፓዱሳን ዝበጽሑን ሰባት ዝጠቐሰ ትካል ዜና አንሳ ገሊጹ።

እቲ ትካል ዜና ከምዝብሎ ካብቲ ሓደጋ ዝዳሓኑ ኣርባዕተ ሰባት፣ ኣብ’ታ መርከብ 45 ሰባት ተሳፊሮም ከምዝነበሩን እቶም 3 ቆልዑ ከምኾኑን ጠቒሶም።

እታ መርከብ ካብ ቱኒዝያ ከም ዝነቐለት ካብቶም ዝደሓኑ ዜጋታት ኣይቮርኮስትን ማሊን ኣመልኪቶም።

ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያ ብወገኖም 57 ሰባት ከምዘድሐኑን ኣስከሬን 2 ሰባት’ውን ከም ዘውጽኡን’ ገሊጾም ኣለዉ። እተን መራኽብ ክልተ ነይረን ክዀና ከም ዝኽእላ ዝደሓረ ዜና የመልክት።