ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ንኽልል ትግራይ ሓገዝ መድሃኒት ሂቡ

Your browser doesn’t support HTML5

ውድብ ጥዕና ዓለም ንኽልል ትግራይ ኣስታት 126 መትሪክ ቶን ዝግመት ሓገዝ መድሃኒት ኣበርኪቱ። እዚ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙናት ናብቲ ክልል ዝኣተወ መድሃኒታት፡ ኣብ ዘፈር ጥዕና እቲ ክልል ዝጸንሐ ጋግ ኣብ ምምሽፋን ዓቢ ኣበርክቶ ክህሉዎ ምዃኑ ካብ ቢሮ ጥዕና እቲ ክልል ዝትረኸበ ሓበሬታ የረድእ።