ኣብ ክልል ትግራይ ሸሞንተ ወረዳታት ዕስለ ኣንበጣ ከም ዝተርኣየ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፍጥሮን እቲ ክልል ገሊፁ። እቲ ዕስለ ኣንበጣ ናብቲ ክልል ብክልል ዓፋር ኣቢሉ ከምዝኣተወ እቲ ቢሮ ገሊፁ።
ካብ 20 ሓምለ 2015 ዓመተ-ምህረት ጀሚሩ እቲ ዕስለ ኣንበጣ ናብቲ ክልል ብክልል ዓፋር ኣቢሉ ከም ዝኣተወ እቲ ቢሮ ገሊፁ።
ርእይቶኦም ንድምፂ ኣመሪካ ዝሃቡ ሓረስቶት ብወገኖም እቲ ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ልዕሊ ዝራእቲ ጉድኣት ከምዘብፀሐን ቀፃሊ ድማ ስግኣት ከም ዘለዎም ሓቢሮም። ሙሉጌታ ኣፅብሃ ንሰብ-መዚ ቢሮ ሕርሻን በቲ ወራር ኣንበጣ ንዝተጸልዉ ሓረስቶትን ኣዘራሪቡ ዝለኣኾ ጸብጻብ’ዩ።