ኣብ ሸሞንተ ወረዳታት ክልል ትግራይ ኣንበጣ ተራእዩ
Your browser doesn’t support HTML5
ኣብ ክልል ትግራይ ሸሞንተ ወረዳታት ዕስለ ኣንበጣ ከም ዝተርኣየ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፍጥሮን እቲ ክልል ገሊፁ። እቲ ዕስለ ኣንበጣ ናብቲ ክልል ብክልል ዓፋር ኣቢሉ ከምዝኣተወ እቲ ቢሮ ገሊፁ። ርእይቶኦም ንድምፂ ኣመሪካ ዝሃቡ ሓረስቶት ብወገኖም እቲ ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ልዕሊ ዝራእቲ ጉድኣት ከምዘብፀሐን ቀፃሊ ድማ ስግኣት ከም ዘለዎም ሓቢሮም። ሙሉጌታ ኣፅብሃ ንሰብ-መዚ ቢሮ ሕርሻን በቲ ወራር ኣንበጣ ንዝተጸልዉ ሓረስቶትን ኣዘራሪቡ ዝለኣኾ ጸብጻብ’ዩ።