ዋዕላ መንእሰያት ኣፍሪቃ ይዛዘም

  • ተወልደ ወልደገብረኤል

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብዚ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ንሰለስተ መዓልታት ክካየድ ዝቐነየ ዋዕላ መንእሰያት ኣፍሪቃ፡ ሎሚ ረቡዕ ይዛዘም ኣሎ። ኣብ ናይ ትማሊ ሰሉስ ውዕሎ፡ መንእሰያት መራሕቲ ኣፍሪቃ ምስ ብርክት ዝበሉ ሰበ-ስልጣን ኣመሪካ ክራኸቡን መደረታቶም ክሰምዑን`ዮም ውዒሎም። ካብ መንጎ`ቶም ሰበ-ስልጣን ሓንቲ ዝኾነት ዋና ኣማሓሪት ኣህጉራዊ ልምዓት ኣመሪካ (USAID) ሰማንታ ፓወር'ያ።