“ደሞክራሲ ኣብ ደምና’ዩ”--ሞዲ፣ ብዙሓት ግን ኣይሰማምዑን
Your browser doesn’t support HTML5
ዝበዝሐ ህዝቢ ዝነብራ ህንዲ፡ ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ብእትገብሮ ዘላ ኣተሓሕዛ ካብ ምምሕዳር ዋሺንግተን ነቕፌታ ክወርዳ ጸኒሑ’ዩ። እታ ኣብ ደሞክራሲያዊ መርሓ ኣብነት ክትከውን ተስፋ ዝግበራ ህንዲ፡ ተደጋጋሚ ምዝሕታል ይርኣያ ከም ዘሎ ነቐፍቲ ይጠቕሱ።
እቶም ኣብ ልዕሊ መሪሕነት ህንዲ ዘለዎም ነቕፌታ ዘስምዑ ዘለዉ ወገናት፡ ባይደን ነቲ ዝምድና ብዋጋ ሰብኣዊ መሰላት ይገብሮ ከም ዘሎ ይሕብሩ። እዚ ግን ብዓይኒ ፕረዚደንት ባይደን ቅቡል ኣይመስልን።