ባይቶ ጸጥታ ሕ/ሃገራት እገዳ ኣጽዋር ደ/ሱዳን ኣናዊሑ

  • ዜና ቪኦኤ

South Sudan Demining A Country

(ዋሽንግተን)-- ዝተገማመዐ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕ/ሃ፡ አብ ልዕሊ ሃገረ ደቡብ ሱዳን ተነቢሩ ንዝጸንሐ እገዳ አጽዋር ንኽናዋሕ ወሲኑ።

ኣብ’ቲ ትማሊ ሰሉስ ዝተኻየደ መስርሕ ምድማጽ፡ ቻይናን ሩስያን ተዓቂበን። ኣብ’ቲ ቤት ምኽሪ መንበር ዘለወን ሰለስተ ሃገራት ኣፍሪቃ ድማ እቲ እገዳ ንክላዓል ጸዊዔን።

እቲ 10 ን ዜሮ ምስ 5 ተኣቅቦ ዝጸደቀ ውሳነ፡ ዝሓለፈ ግንቦት ብኣመሪካ ተዳልዩ በቲ ቤት ምኽሪ ዝጸደቐ ውሳነ ምዃኑ እቲ ዜና ይሕብር።

ትግባረ እቲ እገዳ ዝከታተሉ ክኢላታት ብዛዕባ እገዳ ኣጽዋር፡ ምድስካል ንብረትን እገዳ ምዝውዋርን ኣብ ልዕሊ ዝተወሰኑ ደቡብ ሱዳናዊያን ኣመልኪቶም ሪፖርት ኣቕሪቦም። ደቡብ ሱዳን፡ ድሕሪ ቅድሚ 5 ዓመት ዝተኸትመ ውዕል ምክፍፋል ስልጣን ኣብ ሓያል ምድንጋራትን ቅብጸትን ከምዝተሸመመት’ውን እቲ ዜና ይጠቅስ።

ብመሰረት’ቶም ክኢላታት ዕጡቓት ተናሓናሓቲ ሓይልታት ኣብ ምትሕንፋጽ፣ ኣብ ምርቃቅ ሓድሽ ሕገ መንግስቲን ምቅርራባት ንሃገራዊ መረጻን ጸገም ከምዘሎ ገሊጾም እዮም።

ትማሊ ሰሉስ ኣብ ልዕሊ ደቡብ ሱዳን ዝጸደቐ ውሳነ እገዳ ኣጽዋር ንሓደ ዓመት ክቕጽል እዩ።