“ክልል ትግራይ፤ ብሰንኪ ኲናት ልዕሊ 3800 መምሃራንን ተማሃሮን ሞይቶም” ሓባሲ ንብዓት ኢትዮጵያ

Your browser doesn’t support HTML5

ብሰንኪ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ኣብ ትግራይ ናይ ልዕሊ 3 ሽሕን 800 መማህራንን ተማሃሮን ህይወት ከም ዝሓለፈ፡ ትካል ሓባሲ ንብዓት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ሓላፊ እቲ ትካል ዶ/ር እንዳለ ሃይሌ ንድምፂ ኣሜሪካ ኣብዝሃቡዎ ቃለ መሕትት፡ እቲ ኲናት ኣብ ዘፈር ትምህርቲ እቲ ክልል ከቢድ ዕንወት ከም ዘብፀሐ እውን ሓቢሮም። ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ’ውን ዝፅበዮ ዘሎ ሓገዝ ዛጊት ዘይምርካቡ ሓቢሩ።