መወዳእታ ጥርዚ ዝበጽሕ ዘሎ ሽግር መዓስከር ስደተኛታት ኬንያ

Your browser doesn’t support HTML5

ዓበይቲ መዕቆቢ ስደተኛታት ኬንያ መዓልታዊ ብዝውሕዝ ብዝሒ ስደተኛታት ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ይኾኖም ከምዘሎ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኬንያ ገሊፁ። መብዛሕትኦም ካብቲ ኣብ ሶማሊያ ኣጋጢሙ ዝርከብ ከቢድ ሓደጋ ድርቂ ህይወቶም ንምድሓና ዶብ ዝሰግሩ ሶማልያዊያን ምዃኖም ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ ይሕብር።