ኣብ ክልል ትግራይ ትምህርቲ ዳግም ንምኽፋቱ ምድላዋት ይግበር

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ክልል ትግራይ ትምህርቲ ዳግም ንምኽፋቱ ምድላዋት ይግበር ኣብ ክልል ትግራይ ትምህርቲ ዳግም ንምጅማር ዑደት ዝገብር ዘሎ ልኡኽ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኢትዮጵያ፡ እቲ ዘፈር ብቕልጡፍ ንምጅማር ዘኽእል ምድላዋት ይግበር ከም ዘሎ ኣመልኪቱ። ነቲ ዝተኸስረ ግዜን ዝዓነወ ትሕተ-ቅርጺ ስርዓተ-ትምህርቲን ዳግም ንምብርባሩ ብወገን ፈደራል መንግስቲን ክልል ትግራይን ቀዳመነት ኰይኑ መስርሕ ምጅማሩ’ውን እቲ ልኡኽ ኣብ ዝገበሮ ጻንሖት ገሊጹ ኣሎ።