ሰብኣዊ ኩነታት ቦረና ናብ ዝኸፍኣ ይኸይድ ምህላው ሰብ-መዚ ይገልጹ

ኣብ ኢትዮጵያ ዞባ ቦረና ድሕሪ`ቲ ዝተናውሐ ደርቂ፡ ሰብኣዊ ኩነታት እናኸፍአ ይኸይድ ምህላዉ ይግለጽ ኣሎ።

ሓላፊ ምክልኻል ሓደጋን ምውህሃድ ረድኤትን`ቲ ዞባ ኣቶ ሊባን ሶራ ንድምጺ ኣመሪካ ክገልጽ ከሎ፡ ብሰንኪ ሕሱም ደርቂ ልዕሊ 300 ሺሕ ሰባት ተፈናቒሎም ኣለዉ ኣሉ። እቲ ቁጽሪ ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ክውስኽ ከምዝኽእል'ውን ሓቢሩ`ሎ።

እቶም ተፈናቐልቲ፡ ዘራእቶምን ጥሪቶምን ምስ ጠፍአ ካብ መንበሪኦም ክወጹ ከምዝኸኣሉ ይገልጹ።ሕጂ ኣብ ከተማ ያቤሎ ተዓቑቦም ካብ ዘለው ሓንቲ ኣደ ሸሞንተ ቆልዑ "ህይወትና ክነድሕን ኢና ናብዚ ሃዲምና ዘለና" ትብል።

እቲ ከባቢ ንዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት ተደጋጋሚ ሕጽረት ዝናብ ስለዘጋጠሞ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ 40 ዓመታት ካብ መንጎ ዘጋጠማ ሕሱም ደርቂ ሓደ ምዃኑ ይግለጽ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት፡ ኣብ ሶማል: ኢትዮጵያን ኬንያን ብደርቂ ንዝተሃሰዩ 3.3 ሚልዮን ስደተኛታትን ተፈናቐልትን ንህይወት ኣድሓን ዝኸውን 137 ሚልየን ዶላር ህጹጽ ረድኤት ይምሕጸን ኣሎ።

ብመስረት ሓበሬታ'ቲ ትካል ኣብ ኢትዮጵያን ሶማልን ጥራሕ 1.7 ሚልየን ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ተፈናቒሎም ኣለዉ።

ካብዚ ብተወሳኺ ካብ ሶማልን ደቡብ ሱዳን ናብቲ ብደርቂ ዝተሃሰየ ከባብታት ኢትዮጵያን ኬንያን ዝተሰደዱ ድማ ልዕሊ 180-ሺሕ ስደተኛታት ከምዘለዉ ድማ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ኣፍሊጡ`ሎ።