(ዋሽንግተን) ኣብ ብራዚል ብሰንበት ብዝሃረመ ብርቱዕ ዝናብን ዝሰዓበ ምህማም መሬትን 36 ዜጋታት ሞይቶም ኣማኢት ድማ ብዘይ መንበሪ ምትራፎም ዝበጽሓና ዜና ኣፍሊጡ። እቲ ትማሊ ሰንበት ዘጋጠመ ሓደጋ ንርእሰ-ከተማ ሳኦ ፓውሎ ኣብ ዘዳውባ ከተማታት’ዩ ኣጓኒፉ። ከም ሳዕቤኑ ድማ እታ ርእሰ-ከተማን ዝቐጸላ ካልኦት ተወሰኽቲ ሽዱሽተ ከተማታት ናይ ህጹጽ ሓደጋ ኣዊጀን ኣለዋ።
እቲ ብርቱዕ ዝናብ ክቕጽል ትጽቢት ይግበሮ--ከም ሓበሬታ ሜትሮሎጂ እታ ሃገር። ንሱ ድማ ንስራሓት ህይወት ኣድሕን ኣሸጋሪ ገይሩዎ ምህላዉ ሰብ-መዚ ይጠቕሱ።