ካልኣይ መድረኽ ዙር ሩዋንዳ፤ ሕጂ’ውን እንግሊዛዊ ኢታን ቬርኖን ይዕወተሉ፡ ሄኖክ ምሉእብርሃን ካልኣይ ወጺኡ

Tour Du Rwanda Stage 2 results

(ዋሽንግተን) ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ካልኣይ መድረኽ ዙር ሩዋንዳ፡ እንግሊዛዊ ተሰላፊ ጋንታ ሶዳል ኲክ-ስቴፕ ኢታን ቬርኖን ደጊሙ ክዕወተሉ እንከሎ፡ ኤርትራዊ ሄኖክ ምሉእብርሃን ድማ ካልኣይ ኰይኑ ውድድሩ ዛዚሙ። ኣብዚ 133 ኪሎ-ሜተር ዝሸፈነ፡ 2.1 መመዘኒ ብቕዓት ዘለዎ ውድድር ዙር ሩዋንዳ፡ ኣብ ናይ ትማሊ ሰንበት መኽፈቲ ውድድር’ውን ብተመሳሳሊ ኢታን ቬርኖንን ክዕወት እንከሎ፡ ንጋንታ ግሪን ፕሮጀክት ዝጻወት ሄኖክ ምሉእብርሃን ድማ ሳልሳይ ኰይኑ ውድድሩ ዛዚሙ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ውድድር ሳልሳይ ኔዘርላንዳዊ ጀሮን ሜጀርስ’ዩ ወጺኡ።

ኣብ ውድድር ዙር ሩዋንዳ፡ ተዓዋቲ ኣርባዕተ እዋን ዙር ፈረንሳይ (ቱር ዲ ፍራንስ) ክሪስ ፍሩም ምስ እስራኤላዊት ክለቡ ተሓቚፉ ይወዳደር ኣሎ። ክሪስ ፍሩም ኣብ ናይ ሎሚ ካልኣይ መድረኽ መበል 47 ኰይኑ ውድድሩ ክዛዝም እንከሎ፡ ናይ 2010 ተዓዋታይ ዙር ሩዋንዳ ኤርትራዊ ዳኔኤል ተኽለሃይማኖት ድማ መበል 61 ኰይኑ ውድድሩ ዛዚሙ ኣሎ።