ሰራሕቲ ወርቂ ተወላዶ ትግራይ ነባሮ ኣዲስ ኣበባ መልሲ የናድዩ

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከባብታት ፒያሳን መርካቶ ኣብ ንግዲ ወርቂ ዝተዋፈሩ 30 ዝኾኑ ነጋዶ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ 6 ሚኢቲ ሚሊዮን ቅርሺ ዝግመት ናይ ወርቂ ንብረቶም ብፖሊስ ምስተወሰደን መደበራቶም ከም ዝተዓጽወን ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም። ዝኣበሱዎ ነገር ዝሓበሮም ከም ዘየለ ዝገልፁ እቶም ሰራሕቲ ወርቂ፡ ዝምልከቶ ኣካል ፍታሕ ከናድየሎም ተላብዮም። ፈደራል ፖሊስ ኢትዮጵያን ሚኒስትሪ ማዕድንን ብዛዕባ።ዚ ጉዳይ ተሓቲቶም’ውን ከም ዘይምልከቶም ገሊጾም።