“ዘላቒን ሓቀኛን ሰላም ክኸውን ንትስፎ፡” ነበርቲ ጕሎመኸዳ

Your browser doesn’t support HTML5

ካብ ወረዳ ጕሎመኸዳ ተመዛቢለን ኣብ ዓዲግራት ተዓቚበን ዘለዋ ገለ ደቀንስትዮ ብሰራዊት ኤርትራ ጾታዊ ዓመጽን ምክልባትን ከም ዝወረደን ገሊጸናለይ ይብል ናብቲ ቦታ ተጓዒዙ ዘሎ ወኪልና ሙሉጌታ ኣጽብሃ። እንተዀነ፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣቐዲሙ ኣብ ሰላማዊ ህዝቢ ዘውርዶ ግፍዒ ከም ዘየሎ ክገልጽ ጸኒሑ`ዩ።