ሳልሳይ ሕታም “ሳሕል - ሕሩይ ግጥምታት ቃልሲ” ብሰሎሞን ጸሃየ

Your browser doesn’t support HTML5

ብደራስን ተመራመርን ባህሊ ሰለሙን ጸሃየ ዝተዳለወት “ሳሕል-ሕሩይ ግጥምታት ቃልሲ” ዘርእስታ መጽሓፍ ዓርቢ 14 ጥቅምቲ ኣብ ኣዳራሽ ምምሕዳር ዞባ ማእከል ተመሪቓ። እታ መጽሓፍ ኣብ እዋን ገድሊ ዝተጻሕፉ ብርክት ዝበሉ ግጥምታት ዝሓቖፈት ኮይን መቐጸልታ ናይ’ተን ቅድሚ ሕጂ ዝተዘርግሓ ናይ ግጥሚ መጽሓፍቲ ከምዝኾነት’ዩ ደራሲኣ ገሊጹ። ንገጣሚ ሃገራዊ መዝሙር ኤርትራን ካልእ በበይኑ ስርሓትን ዝዀነ ሰሎሞን ጸሃየ ኣዘራሪብናዮ ኣለና።